Nu Habye | ንዑ ሃብየ
Added by Admin
ንዑ ሃብየ ልዑካን ለኣቡየ/2/
ኢሉ ይጽዋዕ ኣሎ ኣማኑኤል ቅድስ ፈጣሪና
ሰላሙ ክህበና መንግስቱ ንከውርሰና
ንዑቅረቡ ይብል ኣሎ መድሃኒኣለም/2/
ኣብ መስቀል ዊዒሉ ንዓና ንዝድሓነና
እልል ንበለሉ ነሸብሽበሉ ንዘምር ኩልና /2/ ኣዝ
ንዑ ቅረቡ ትብል ኣላ ድንግል ኣዴና/2/
ብብርሃን መስቀሉ ከም ኤፍሬም ንክትባረከና
ንዑ ተመለሱ ትብል ኣላ ማርያም ኣዴና /2/
ኣዝ
ቅዱስ ሚካኤል ተላኢኩ ክባርከና /2/
ከም ህዝበ እስራኤል ብብርሃን ንክመርሓና
ናብ ኣምላክ ቅረቡ ይብል ኣሎ እመላእክና/2/
ኣዝ
ገብርኤል መጺኡ ብስራቱ ከስምዓና/2/
ከም ሰለስቱ ደቂቅ ካብ እቶን ንከውጽኣና
ተላኡኩ መላኣክ ንዓና ንከድሕነና /2/ ኣዝ
ንዑ ትብል ኣላ ቤተ ክርስትያና ቅድስት ኣዴና /2/
ንዓና ንደቃ ብመስቀል ንክትባርከና
ንዑ ከብ ሓጥያትኩም ትብል ኣላ ቤተክርስትያና/2/
ኣዝ
ንሴብሖ ንሴብሖ
