Nu Bigziabher | ንዑ ብእግዚኣብሔር
Added by Admin
ንዑ ብእግዚኣብሄር ደስ ይበለና /2/
ነዚ ዓቢ ክብሩ ስለዘብጻሓና
ካብ ሞት’ውን ናብ ሕይወት ዘሰጋገረና
ንዑ ብእግዚኣብሄር ንዑ ብድንግል ደስ ይበለና
መንግስተ ሰማያት ባዕሉ ዝሃበና
ካብ ጸልማት ኣውጺኡ ብርሃን ዘርኣየና
ነዚ ዓቢ ውዕለት ምስጋና ይውሕደና
ክብሪ ይብጸሓዮ ደስ ይበለና
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ካብ ጭንጫ ዝፍልፍል ጽሩይ ማይ ሰቲና
ሰማያዊ መና ኣምላኽ መጊቡና
ፍቅሩ ብዙሕ’ዩ እንታይ ክንህቦ ኢና
ብንግሆን ምሽትን ነመስግን ሓቢርና
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ምንም ብዘይብሉ ኣብ ቃዴስ በረኻ
ማዕበል ብዝበዝሖ ብባሕሪ ኤርትራ
ንዕኡ መንገዲ ኣለዎ ብዝኾነ ስፍራ
ብፍጹም እመኑ ልብኹም ኣይፍራሕ
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ኣብ ባርነት ኸለና ኣብ ጸልማት ዓለም
ብርሃኑ ረኽብና ብድንግል ማርያም
ዝጠፍአት ሰላም ሎሚ ብምርካብና
ደስታ ይስመዓና ብድንግል ኣዴና
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ንሃና ንኢያቄም ናይ እምነቶም ፍረ
ሎሚ ተረኸበት ብፍቓድ እግዚኣብሄር
ናይ ኢያቄም ስእለቱ ናይ ሃና እምነት
ንዓና ለምንልና ኪዳነ ምሕረት
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ
