Ntehagos Ilil Nbel | ንተሓጎስ ዕልል ንበል
Added by Admin
ንተሓጎስ ዕልል ንበል /2/
ጠፍኡ ኣይተረፈን ተረኺቡ ቅዱስ መስቀል /2/
ብብርሃን ኪመልእ ንኹሉ ዓለም /2/
እዃ ተጸዓሩ ጸላእቲ ሓቢሮም /2/
ነቲ ቅዱስ መስቀል ብምኽሪ ክጥፍኡ ሓቢሮም /2/
ኣይኸኣሉን ክኸውሉ ንኸንቱ ጽዕሮም /2/
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - -
በቲ ጎቦ ተሓቢኡ ንዘመናት /2/
ተደርብዩ ብተንኮል ተሰዊሩ ብኽፍኣት /2/
ተገሊጹ በቲ ዕጣን ስግደት /2/
- - - - - - - ኣዝ - - - - -
ኢለኒ’ያ ነዚ ምስጢር ዝርኸበቶ /2/
ብዳሜራ ብሓጎስ ብኽቡር ደው ዘበለቶ /2/
ንናይ ተንኾል ጎቦ ክኾዓት ጌራቶ /2/
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ታርኻዊ ናይ ክርስቶስ ህያው መስቀል /2/
ተገሊጹ ሎሚ ብኽብር ብግሩም ሓይሊ /2/
ኩሉሳዕ ክብርሃልና ትምኽሕቲ ኽኾነና /2/
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - -
