Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Ntehagos | ንተሓጎስ

Added by Admin

ንተሓጎስ (2) ሎሚ
ናይ መከራ ለይቲ ፈተና እንተበዝሐ
ግን ኣብዚ ኣብቂዕና ይኸበር መድሃኒ ዓለም

ንተሓጎስ ዘይስገር የለን
>> ኩሉ’ውን ሓሊፉ
>> እግዚኣብሔር ንደቁ ወትሩ እንዳደገፈ
>> ብለይትን መዓልትን
>> ምሳና እንዳሰርሐ
>> ከም ብርሃን ጸሓይ
>> ገጽና’ውን ኣብርሀ
……..ኣዝ……..
ንተሓጎስ ጠቢበ ጠቢባን
>> በዓል ጸጋ ጎይታ
>> ከም በዓል ማዕረግ ደው በልና ብተርታ
>> ምስጋና ይውህዶ
>> ይውህዶ ውዳሴ
>> መዝሙርና ንሱ
>> ኣጋእዝተ ስላሴ
……….ኣዝ………
ንተሓጎስ ዝኸውን ዘይከውን
>> ኣብ ስደት ከለና
>> ኩሉ ሰሚሩልና ንሱ እንዳረድኣና
>> ክዳንናን ኣክሊልናን
>> ደሚቁ’ሎ ሎሚ
>> ንዘምር ንኣምላክ
>> ብዓቢ ዝማሬ