መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Nmaryam Zemru Beza Lomi Mealti | ንማርያም ዘምሩ በዛ ሎሚ መዓልቲ

Added by Admin

ንማርያም ዘምሩ ንማርያም ዘምሩ
በዛ ሎሚ መዓልቲ በዓላ ተክብሩ እህ
በዛ ሎሚ መዓልቲ በዓላ ተክብሩ
ብሰላም ብፍቕሪ ተዝካራ ግበሩ
ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ብሓባር ክትነብር እህ
ኣብ ሰማያት’ውን ኣብ ብርሃን ክትሰፍሩ
ሙሴ ተዛረበ እዝራ’ውን ዘመራ
ደቅሲዮስ ጸሓፈ ኩሉ ተኣምራ ኣህ
ደቅሲዮስ ጸሓፈ ኹሉ ተኣምራ
ዳዊት ምስ ኣፍቀራ ሰለሙን ኣኽብራ
ብያሬድ ተገልጸ ጣዕማ ኮነ ፍቕራ እህ
ብያሬድ ተገልጸ ጣዕማ ኮነ ፍቕራ
ኤጲስ ቆጶስ ቅዱስ ስሙ ባህርያቆስ
ዝደረሶ ኣሎ ብስማ ክንቅድስ እህ
ዝደረሶ ኣሎ ብስማ ክንቅድስ
ስለ’ዚ ኣሕዋተይ ክትኮነና ዋሕስ
ብዝክርኣልናዮ ንወደስ ንቐድስ ንቐድስ እህ
ብዝከኣልናዮ ንወድስ ንቐድስ
ናይ በዓላ ምሕርቲ ኽንሓፍስ
ናይ ጸገኣ በረኸት ምህርቲ ክንሓፍስ እህ
ናይ ጸገኣ በረኸት ምህርቲ ክንሓፍስ