መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Nkal Kitweldi | ንቃል ክትወልዲ

Added by Admin

ንቃል ክትወልዲ ካብ ኣብ ሞጎስ ዝረኸብኺ (2)
ጋል ሃና ኢኪ ናይ ኢያቄም እጹብ ድንቂ ኢኺ
እሾኽ ሃርጎጽጎጽ ኮይኑ መንገደይ
ፍጥረት ወድኺ በዚሑ ኣበሳይ
ንፋስ ማዕበል ንከይ ውሕጠኒ
ተሪር ቅልጽምኪ ይደግፈኒ
ኣዝ………
ቆይመ ክሳለም ቅድሚ ስእልኺ
ፍቅርን ትሕትናን ክመሃረሉ
ኣንጽህኒ እሞ ከገልግለኪ
ኣደ ጎይታየ ትሑት ባርያኪ
ኣዝ………
ጋል ዳዊት ንግስት ደውበሊ ኣብ ጎድነይ
ናብ መስቀል ጎይታ ይጠምት ዓይነይ
ጋል ሌዌ ብጽእት ኣበርትዕኒ
ናይ ስጋ ድኻም ንከይስዕረኒ
ኣዝ………