መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Nislase Amesignu | ንስላሴ ኣመስግኑ

Added by Admin

ንስላሴ ኣመስግኑ/2/
ናይ ምድሪ ፍጥረታት ዘምሩ ዕልል በሉ
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅድሱ
ምስጋና ይግባእ ብስጋን ብነፍሲ
ንፈጣሪ ዓለማት እግዚኣ ኣጋእዝቲ
ምስጋና ይግባእ ለይቲ ምስ መዓልቲ
ኣዝ
ኪሩቤል ሱራፊኤል ንዘመስግንዎ
መላእክቲ ኣብ ሰማይ ንዘመስገንዎ
ንህና ደቂ ኣዳም ንዝምር ኢና
ብሰማይ ብምድሪ ንጽውኣካ ኢና
ኣዝ
እንተ ጠመኩ እውን ብስላሴ ይዕንገል
እንተ ጸማእኩ ይረዊ ብኣምላከይ
ስላሴ ዕርደይ እዮም ክብሪ ናተይ
ብሂወተይ ጎደና ይመርሓኒ ንዓይ
ኣዝ