Nigziabher Tsewaiku | ንእግዚኣብሔር ጸዋዕኩ
Added by Admin
ንእግዚኣብሄር ጸዊዔዮ ኣብ ግዜ ሓዘነይ
ንእግዚኣብሄር ጸዊዔዮ ኣብ ግዜ ጸገመይ
ካብ ጭንቂ ኣውጺኡኒ ካብ ሓዘን ካብ ሓሳብ /2/
ናይ ልማኖይ ድምጺ ንሱ ስሚዑ’ሎ
ኣእዛኑ ናባይ ኣዘንቢሉ ኣሎ’ሞ
ኣብ ዘመነይ ኩሉ ክጽውዖ እነብር
ድኹም እንተኾንኩ ምስጋናይ የቕርብ /2/
- - - - - - -- ኣዝ - - - - - - - -
ብቓልካ ክምራሕ ምኻድ’ውን ስኢነ
ናይ’ቲ መንገዲ ሓጢያት ማዕበላት ውሐጡኒ
ናባኻ ክምሕጸን ደጊመ ኽንሳሕ
ኣየሕፈረንን መጺኡ ኣብ መብልዒ ማል /2/
- - - - - - -- ኣዝ - - - - - - - -
ብብዝሒ ሳህልኻ ዝሓለፈ ገዲፍካ
ብፍቕሩ ሪኡኒ ዘይገደፈኒ እዃ
ፈትዩ ኽቕበለኒ ገጹ ኣብሪሁለይ
መን ይቃወመኒ ኣምላኽ እንኸሎኒ /2/
- - - - - - -- ኣዝ - - - - - - - -
ንኖህ ዘድሓንኻ ንዓይ’ውን ኣድሕነኒ
ካብ’ታ ዕለት ክድሕን ምልኽት ሃበኒ
በትርኻን ምርኹስኻን የጸናኑዑኒ
ንስኻ ምሳይ ኢኻ ክፍእ ኣይፈርህን /2/
- - - - - - -- ኣዝ - - - - - - - -
