Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Nigziabher Amesignu | ንእግዚኣብሔር ኣመስግኑ

Added by Admin

ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ ዘደንቕ’ዩ ግብርኻ በሉ
ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ ዘገርም’ዩ ጥበብኻ በሉ
ንሰማይ ብዘይ ደጋፊ
ብዘይ መሰረት ንምድሪ
ዘጽንዓ’ዩ ንሱ
ድንቂ’ዩ ግብርኻ በሉ
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ንዕምቆት ናይ ባሕሪ ዝመጠነ
ወሰናሰኑ ዝኽለለ
ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ
ዘገርም’ዩ ተግባርኻ በሉ
- - - - - ኣዝ - - - - -
ንማዕበላት ዘህድእ
ንፍጥረታት ኹሉ ዝገዝእ
ሕያዋይ ጓሳ ዘይርኸቦ ድኻም
ተግባርኻ በልዎ ድንቂ’ዩ ግሩም
- - - - - - ኣዝ - - - - - -
ንጹህ ባህርይ’ዩ ንኹሉ ዝገዝእ
ኣልፋን ኦሜጋን’ዩ ናይ ነገስታት ንጉስ
ዘለኣለም ንሱ ዘይልወጥ
ዘደንቕ’ዩ ተግባርካ’ውን ግሩም
- - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ንጥበብ ዝገልጻ ጥበበኛ
ሓቀኛ ፈራዲ’ዩ ቅኑዕ ዳኛ
ኸምኡ ዝበለ ከቶ ኣይርኸብን
እግዚኣብሄር ግሩም ንዘለኣለም
- - - - - - - ኣዝ - - - - - -