Nidinigil Maryam | ንድንግል ማርያም
Added by Admin
ንድንግል ማርያም ንዑ ንለምና
ረዳኢት ዱኹማት ዋሕስ ናይ ኩላትና (2)
ስርሐይ ከፊኡ ሸኸም ከቢዱኒ
ወዲቐ ከይተርፍ ድንግል ደግፍኒ
ሓደራኺ ኣደይ ኣይትፈለይኒ
ክጨንቀኒ ኮሎ ኣጸናንዕኒ (2)
ኣዝ………
ኣንቲ ናይ ኖህ መርከብ ናይ ሙሴ ጽላት
ናይ ያቆብ መሰላል መሰንቆ ዳዊት
ሓጋዚት ዶኪማስ ሎሚ ሓግዝና
ካብ ፍቑር ወድኺ ምሕረት ለምንልና (2)
ኣዝ………
ደንጋጺት ምኻንኪ ሪኢና ኣብ ከልቢ
ሎሚ ደግጽልና ንዓና ደቅኺ
መንግስቱ ክንወርስ እቲ ለመለም ቦታ
ኣተዓርቕና ምስቲ ኩቡር ጎይታ (2)
ኣዝ………
