መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Nidikmet Dekka | ንድክመት ደቅካ

Added by Admin

ንድኽመት ደቅካ ፍጹም ከይጸብጸብካ
ኣድሕነና ጎይታ ካብ ሕሱም መከራ
ናይ ወንጌል ብርሃን ክዓስል ኣባና
ንዓለም ክንስዕር ወትሩ ኩን ምሳና
ኣምላኽ ንሕቕፈኻ ቢሂግና ደቅካ
ከምቲ ተስፋ ቃልካ ንዑ ደቀይ በልና
ኣዝ
ዘይርና ኣይንጠምት ናቀደም ሓጥያትና
ዕጫ ናይ ሰበይቲ ሎጥ ከየጋጥመና
ጎያታ ምርሓና በቲ መንገድኻ
ከም ብዝሕ ምሕረትካ ኣይትፈለየና
(ኣዝ)
ካባኻ ሪሕቕና ዀይንና ንበይንና
ፍረ ከነፍሪ ፍጹም ዘይካኣለና
ዘመና ብኹሉ ምሳካ ይኹን
ናይ ጸላኢ ሰናይ ምሩኽ ከይንከውን
(ኣዝ)
በዚ ኩፉእ ዘበን ሓጥያት ዝበዝሓሉ
ናይ ድያብሎ ጥበብ ዝተራቀቀሉ
ብዘይፍረ ኮይና ከይንቀውም ቅድሜኻ
ናብ ቅዱስ ቁርባንካ ኣቅርበና ኢኻ (ኣዝ)