Neti Senay Fikru | ነቲ ሰናይ ፍቅሩ
Added by Admin
ነቲ ሰናይ ፍቁሩ ኣብ መስቀል ሪኢና /2/
ናይ ኣማልክት ኣምላክ ስሌና ሞይትልና
ናይ በርባን ኣበሳ ናብኡ ተለዊጡ
ብብዝሒ ሓለንጊ ሕቑኡ ተቀሊጡ
ሽፍታ ተባሂሉ ንሱ ከክንዳና
ናይ እስርና መቁሕ ብሞት ክፈትሓልና
ኣዝ
ስቀሎ እንዳበሉ ኣይሁዱ ፈረዱሉ
በኣውደ ጲላጦስ ንሞት ኣወጁሉ
ንዝሰቀልዎ ኩሉ ህይወት ንክህቦም
ፈቃር ኣማኑኤል ብሞት ተበጀወሎም
ኣዝ
ናይ’ቲ ተመን ርእሲ ብመስቀል ተሃርመ
ሓይሊ ሞት ተሳዒሩ ስልጣኑ ተፈትሐ
እቲ ዘይመውት ሞይቱ መስቀሉ ከብርህ
ካብ መቃብር ወጺና ብግብሪ ምድሓኑ
ኣዝ
ብሓሙሽተ ቅንዎት ብጥምየት ብጽምኢ
ናይ ህዝቢ መከራ ንሱ ክጸውር
ንሱ ብመስቀሉ ንዓለም ከብርህ
ተሳዓረ ብሞት ናይ ዲያብሎስ ስራሕ
ኣዝ
