Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Nemesigin Kulna Nmaryam | ነመስግን ኩልና ንማርያም

Added by Admin

ነመስግን ኹልና ንማርያም ኣዴና
ቅድስተ ቅዱሳን ኣደ መድሓኒና
ንጽህተ ንጹሃን ኣደ ፈጣሪና
ርህርህተ ሕሊና ማርያም ኣዴና
ቅዱስ ገብሪኤል መጹ ሰላም ለኪ ኢሉኺ
ናይ ክርስቶስ ኣደ ድንግል ደስ ይበለኺ
ካብ ኣንስቲ ኹለን ዝተባረክኺ ኢኺ
ሰማያዊ ምስጢር ዝተገለጸልኺ
- - - - - - ኣዝ - - - - - -
ንዓኺ መሪጹ ከይተፈተጥረ ዓለም
ብሓቂ ይመስገን ይኽበር ንዘልኣለም
ንዓኺ መሪጹ ርህሩህ መድሃኔ ኣለም
ብሓቂ ይመስገን ይኽበር ንዘልኣለም
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ብጌጋ ብፍልጠት ኣደ ዝሰኣንኩም
ንዑ ተመለሱ ማርያም ኣላትኩም
ብጌጋ ብስሕተት ድንግል ዝኸሓድኩም
ንዒ በልዋ ደቀይ ክትብለኩም
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ዋሕስ ናይ ህይወትና ኣምላኽ ዝሃበና
ድንግል ማርያም ኢያ ማህደር ናይ ነብስና
ኣደን ድንግልናን ክልቲኡ ሒዝኺ
ድንግል ናትና ተስፉ ፍልይቲ’ኾ ኢኺ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - - --
ንዘምር ኩላትና ንጎይታ ፈጣሪ
ስለዝሃበና ናይ ዘለኣለም ክብሪ
ንዘምር ኩላትና ንጎይታ ፈጣሪ
ስለዝሃበና ናይ ዘልኣለም ጽድቂ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - -