Nemesigin Kulna Bintsuh Libna | ነመስግን ኩልና ብንጹህ ልብና
Added by Admin
ነመስግን ኩልና ብንጹህ ልብና
ባሕሪ ኤርትራ ክፍሉ ኣሕሊፍና
ካብ ኢድናይ ፈርኦን - - - - ነመስግን ኹልና
ካብ ጽኑዕ መግዛእቲ - - - - ብንጹህ ልብና
ንነብር ነበርና - - - -- - - - ነመስግን ኹልና
ናይ ጡብ ተሰከምቲ - - - - ብንጹህ ልብና
ኣውጺእና ኣምላኽ - - - - - - ነመስግን ኹልና
ብሙሴ መልእኽቲ - - - - - - ብንጹህ ልብና
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ተረጊጹ እስራኤል - - - - - - - - - ነመስግን ኹልና
ኣብ ናይ ግብጺ ቦታ - - - - - -- - ብንጹህ ልብና
ብራማ ተሰምዐ - - - - - - - - - ነመስግን ኹልና
ናይ ራሄል ንብዓት - - - -- - - - - ብንጹህ ልብና
የለኻን’ዶ በለት - - - - - - - - - - ነመስግን ኹልና
ናይ ስራዊት ጎይታ - - - - - - - - ብንጹህ ልብና
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ህዝበይ ፈኑ በሎ - - - - - - -- ነመስግን ኹልና
ከገልግሉ ንዓይ - - - - - - - - ብንጹህ ልብና
ፈርኦን ልቡ ጸነዐ - - - - - - ነመስግን ኹልና
መን ኣሎ ኢሉ ኸማይ - - - -- በንጹህ ልብና
ኣውረደሉ ጎይታ - - - - - - - - ነመስግን ኹልና
መዓቱ ኻብ ሰማይ - - - - - - - በንጹህ ልብና
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ሚካኤል መሪሑ - - - - - - - - - - ነመስግን ኹልና
ወጹ ካብ መግዛእቲ - - - - - - - - ብንጹህ ልብና
ቀትሪ ብደመና - - - - - - - - - - ነመስግን ኹልና
ለይቲ ብመብራህቲ - - - - - - - - ብንጹህ ልብና
ተሳገሩ ኤርትራ - - - - - - - - - - ነመስግን ኹልና
ኹሎም በብሓንቲ - - - - - - - - - ብንጹህ ልብና
- - - - - ኣዝ - - - - - -
