Nebsey Nigziabher Amesigni | ነብሰይ ንእግዚኣብሔር ኣመስግኒ
Added by Admin
ነብሰይ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኒ /2/
ነብሰይ ንእግዚኣብሄር ባርኺ /2/
የዕጽምተይ ኹሉ ንቅዱስ ስሙ
ነብሰይ ተመገቢ ንቅዱስ ቃሉ
ንዝተገብረልኺ ንሰናይ ግብሩ
ኣይትረስዒ ኣዘንትውሉ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ነብሰይ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኒ
ምስጋንኡ ኣይትረስዒ
ሓጥኣትኺ ኩሉ ይቕረ ዝብለልኺ
ናይ ደዌኺ ዝፍውስኺ
- - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ካብ ጥፍኣት ዘድሓነኺ
ምሕረት ረኺብኺ ምሕረት ለጊሱልኺ
ንትምኒትኺ ብበረኸቱ
ኣጽጊብዋ ብሃብቱ
- - - - - - ኣዝ - - - - - -
ካብ ድቕድቕ ጸልማት ዘውጽኣኺ
ብርሃን ርኢኺ ብርሃን ለቢስኺ
ናይ እግዚኣብሄር ስሙ ዝተባረኽ ይኹን
ካብ ኣጽናፍ ኣጽናፍ ዝተመስገነ ይኹን
- - - - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ነቲ ሽግረኛ ካብ መሬት ዘድሕን
ነቲ ምስኺን ክብሪ ዝዕድል
ኣሕዛብ ኹሉኹም ተገዝእዎ
ንሰናይ ስሙ ኣመስግንዎ
- - - - - - ኣዝ - - - - -
