Ndengil kwidis (ንድንግል ክውድስ)
Added by Mezmur Tewahdo Admin
ንድንግል ክውድስ
ደብረ ግእዛን መድኃኒ ዓለም (ገዛ ባንዳ)
ንድንግል ክውድስ ስማ ደጋጊመ
ብዘመናት ፍጹም ዘይውሰን ብዕድመ
ደጋጊሙ ይሕጎስ ልበይ ከመስግና
ክዝምረላ’የ ጽባሕ ከሎ ጌና
ሓይሊ ልዑል ኣምላኽ ዘጽለለ ኣብ ልዕሌኣ
ቅድስቲ ድንግል’ያ ርኅሩኅ ዝባህሪኣ
ከዋኽብቲ ሰማይ ኩኑ ቃል ምስጋና
ነፍሰይ ከይትትክዝ እትብሎ ስኢና (2)
ኣትን ኣዕዋፍ ሰማይ ዘይማለይ ዜማ
ዘመነይ ከሕልፎ እናወደስኩ ስማ
ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ’ውን ነፍሲ
ዝወሰደ ኣምላኽ ኮይኑልና’ዩ ፈውሲ(2)
ማዕበል ባሕሪ ሃርህር ከም ድምፂ በገና
መጺኣ ናብ ቤተይ ብተምሳል ደመና
ንፋሳት’ዛ ምድሪ ንፍሑለይ እምብልታ
ክውድስ ንማርያም ኣሰንየ ዕልልታ (2)
ድኅነት ወዲ ኣዳም ባህታኡ መንፈሳ
መሣልል ሕይወት’ያ ኣምላኽ ዝቐደሳ
ኣግራብ ስየ ጽሕዲ ኃዙለይ ጸናጽል
ህያብ ፍቕሪ ኣሎኒ ዝብርከት ንድንግል (2)
