መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Nay Tsidki Afdege | ናይ ጽድቂ ኣፍደገ

Added by Admin

ናይ ጽድቂ ኣፍደገ ናይ ሙሴ ጽላት
ኣኽሊለ ሰማእታት ምዕራገ ጸሎት
ናይ ጎይታና ኣደ ንጽህቲ ኣኽሊልና
ሓመልማለ ሲና ማርያም ኣዴና /2/
ማርያም ኣዴና ናትና ምርኹስ ኢኺ
ማርያም ኣዴና ጽላል ናይ ህይወትና
ማርያም ኣዴና ናይ ሓዊ ጥፍሒ
ማርያም ኣዴና ሓዊ ሓቑፍኺ
ማርያም ኣዴና ብርሃን ተኽዲንኺ
ማርያም ኣዴና ወርቂ ለቢስኺ
ማርያም ኣዴና ካብ ኹለን ኣንስቲ
ማርያም ኣዴና ኣብ መሪጹኺ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ማርያም ኣዴና ኣብ ገዛኺ ኾይኖም
ማርያም ኣዴና ይምሕጻኑኺ
ማርያም ኣዴና ስምኺ ንወለዶ
ማርያም ኣዴና የዘንትውልኺ
ማርያም ኣዴና ብዘለኺ ጸጋ
ማርያም ኣዴና ብኣማልድነትኺ
ማርያም ኣዴና ምሕረት ለምንልና
ማርያም ኣዴና ካብ ለዋህ ወድኺ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - -- - --
ማርያም ኣዴና ዘይተሓርሰት ግራት
ማርያም ኣዴና ዘርኢ ዘይተዘርኣ
ማርያም ኣዴና ፍረ ንህይወትና
ማርያም ኣዴና ሃብትና ኣዴና
ማርያም ኣዴና ዝተሓርየ ምሳሕ
ማርያም ኣዴና ነዲኡ ፈትይዋ
ማርያም ኣዴና ብየማኑ ደዊ ኢላ
ማርያም ኣዴና ድንግል ክብርቲ ኢያ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ማርያም ኣዴና ናይ ሓቂ ደበና
ማርያም ኣዴና ማይ ዝተራእየላ
ማርያም ኣዴና ወላዲት’ያ ድንግል
ማርያም ኣዴና ዝተሓትመት ገነት
ማርያም ኣዴና ክብርቲ ንዝኾነት
ማርያም ኣዴና ንዑ ነመስግና
ማርያም ኣዴና ደስ ይበልኺ ንበል
ማርያም ኣዴና ኣዲኡ ንብርሃን
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - -