Nay Titsbitey | ንዓይ ትጽቢተይ
Added by Admin
ንዓይ ትጽቢተይ ኣምላክ ጥራይ’ዩ
ከውሐይ ምድሓነይ እንባይ ንሱ’ዩ
ፈጺመ ኣይክናወጽን’የ(2)
ንመሬት ብዘይጭበት ሰረት ዝደኾኖ
ንሰማይ ብዘይ ዓንዲ ዘንጊ’ውን ዘቆመ
ንሱኳ’ዩ እቲ ኣምላክ ቀደም
እግዚኣብሔር ከቶ ዝሰኣኖ የለን (2)
..........ኣዝ……….
ንኩሉ ይኩን እናበለ ዝፈጠሮ
ብቃሉ ልክዕ ከም ግቡእ ደው ዘበሎ
ዘርእድ ጸልማት ናብ ብርሃን ዝቅይሮ
ተኣምር ግብሩ በዓል ዓቢ ምስጢር (2)
……..ኣዝ………..
ብቁጽሪ ዝንዓቅ ባሪኩ ዘበርከቶ
ንህዝቡ ብዘደንቅ ጥበብ ዝመገቦ
ንስጋን ነብስን ብምልኣት ዝፍውስ
ከቢቡና ንቁም ንስሙ ንውድስ (2)
……..ኣዝ…………
ኣብ ልቢ ዝተሃብአ ምስጢር ዝምርምሮ
ንዕረ ናብ መዓር ወለላ ዝቅይሮ
ሓላይ ህዝቢ ማዕበል ዘሳግሮ
ሓያል ኣምላክና እንታይ ይሽግሮ (2)
…………..ኣዝ………….
