መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Nay Slase Menber | ናይ ስላሴ መንበር

Added by Admin

ናይ ስላሴ መንበር ቅዱሳን ከቢቦም
ኪሩብ ብደመና ንዝፋኑ ሒዞም
ንድንግል ኣብ ማእከል ንሚካኤል ቅድሚት
ኣእላፍ መላእኽቲ ክሰግዱ ብፍርሃት
ንዑ ረኣዩ ናይ’ቲ ሰማይ ድምቀት
ንዑ ረኣዩ ነቦ ናይ ሰማያት
ናይ ስላሴ መንበር ቅዱሳን ከቢቦም
እንዳኣንሸብሸቡ ናይ ሰማይ መላእኽቲ
ካህናት ሰማይ ቅዱስ ቅዱስ ክብሉ
ነዚ ዓቢ ክብሪ ክብሪ ዝተዓደሉ
በዚ ጽድቂ ግብሮም ኣብ ምድሪ ኣለው
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ናይ ቅዱሳን ሕብረት ናይ ቅዱሳን ሃገር
ክቕደስ ይነብር ናይ ስላሴ መንበር
ጽድቅን ለውሃትን ዝተመልአ ሰማይ
ኣምላኽ ይሃበና ንትንሳኤ ምርኣይ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -