Nay Misgana Meswaiti | ናይ ምስጋና መስዋእቲ
Added by Admin
ናይ ምስጋና መስዋእቲ ማህሌት ውዳሴ
ይግባእ ንክብሩ ንቅድስተ ስላሴ (2)
ንሰብ ዝፈጠረ ብኣምሳሉ ጌሩ
ስጋ ዘዳለወ የዕጽምቱ ሰኪዑ
ንዝፈጠረና ብኽሃልነቱ
ክንዝምር ኢና ስለ ጎይትነቱ (2)
(ኣዝ)
ንሰማይ ዝሰርሐ ብዓቢ ጥበቡ
ምድሪ ዝሰርሐ ብቅዱስ ሓሳቡ
ክምለኽ ይነብር ንሱ ብፍጥራቱ
ሰላም ዝመልኣ’ዩ ዘላኣለም መንግስቱ (2)
(ኣዝ)
የዒንቱ ኩሩቤል ዝመልኦ መንበሩ
ማና ሒዞም ኣለው ሱራፌኤል ንክብሩ
ቤቱ እንክዕጠን መፋርሕ ሕልፍንኡ
መላእክቲ ዘመሩ ቅኔ እናቃንዩ (2)
(ኣዝ)
ሓዊ ኣዳራሹ ማይ እዩ ጠፈሩ
ምድሪ መርገጺ እግሩ ሰማይ’ዩ መንበሩ
ክቅደስ ይነብር ብሰማይ መንበሩ
ውዳሴን ዝማሬን ይግባእ ንክብሩ (2)
(ኣዝ)
