መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Nay Hiywet Minchi May | ናይ ሕይወት ምንጪ ማይ

Added by Admin

ናይ ሂወት ምንጭ ማይ/2/
መድሃኒኣለም ኢኻ ናይ ዘልዓለም መና/2/
ፈጣሪ ኣምልክና ክርስቶስ ንስካ
ናይ ዘለዓለም ህብስተ ካብ ሰማይ ወሪድካ
ስጋካ በሊዕና ደምካ’ውን ሰቲና
ንነብር ምሳካ ብተዎህዶ ከቢርና/2/
ኣዝ
ረዳኢ ጽጉማት ሽኽሞም ዝኸበዶም
ካብ ሓትያት ባርንርት ነጻ ተውጽኦም
ናይ ጎይቶት ጎይታ ህይወት ሂብካ ሞይትካ
ቀራንዮ ርኢያ ንስካ ተሰቒልካ/2/
ኣዝ
ዘይተጸውዓ የለን ንኩሉ ጸዊዒካ
ድኻ ኣይትብል ሃብታም ኩሉ እዩ ገንዘብካ
ስጋካን ደምካ’ውን ንዓና ዝሃብካዮ
ደጊም ኣይጥምን ናይ ዘልኣለም እዩ/2/
ኣዝ