Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Nay Genet Dege Maryam | ናይ ገነት ደገ ማርያም

Added by Admin

ናይ ገነት ደገ ማርያም
ናይ ወርቁ መሳልል ድንግል
ናይ ኣምላኽ ኣደ ማርያም
ክብሪ ምስ ውዳሴ ይግባእ ንዓኺ
ኣምላኽ ባዕሉ ሓርዩ ባዕሉ ቀዲስኺ
ዕጽውቲ ሆሃተ ሕትምት ገነት
ድንግል ኣዴና’ያ ሰማያዊት ንግስት
ናይ መሎኾት ዙፋን ዝሓዘለት እሳት
ናይ ሓደራ ኣዴና ማርያም እመቤት
- - - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ናይ ሰማይ መላእኽት እንዳኣንሸብሸቡ
ሰላም ለኪ ኢሎም ናብ ድንግል ኸበቡ
ንሕና’ውን ኽብሪ ውዳሴ ዝማሬ ምስጋና
ነቕርብ ንዓኣ ስለዝግበኣ
- - - - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ኣነስ ኽዝኽር’የ ስማ ንዘለኣለም
ኣብ ቅድሚኡ የለን ማዕሪኣ ዝጋደል
ንውዳሴ ድንግል ነብሰይ ምስ ጸውዐት
ምስግና ኽጅምር ኽትመጽእ’ያ እመቤት
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - - - -