Nay Birhan Mewtsiit | ናይ ብርሃን መውጺኢት
Added by Admin
ናብ ብርሃን መውጽኢት’ያ ማርያም ድንግል ኣዴና
ካብ ሰማይ እንዳብርሀት ደስ ኢልዎ ልብና
ፍቕርኺ ሰላምኺ ድሕነት ይኹነና ኦ---- ኦ----
ፍጥረት ብምልኡ ቅድሜኺ ይሰግዱ
ጸጋኺ ይብጸሓና ሃብና እንዳበሉ
ግብረይ ጽድቂ የብሉን ንዓኺ ንምቕባል
መኣኸቢ ሓጥያት’ዩ ዝተመልአ ብስስዕ
ብኸመይ ድንግል ትንበረሉ ኦ ----- ኦ ----
ኣይትጸየፍን ንልበይ ተመዓራርዮ’ያ
ስለ ሓጥያተይ ናተይ ኣደ ትልምነለይ’ያ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - - - -
ልቦም’ውን ዝዓጸው ድንግል ማርያም ንምቕባል
ሕልንኦም ይመለስ ንጸሊ ነዚ ጥፍኣት
ንኣምላኽ ሒዛ’ያ ድንግል እትመጽእ ኦ------ ኦ------
ንዓኣ እንኽንመልስ ንጎይታ ኢና ነቐይሞ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - - - -
