Nay Birhan Ade Iki’mo | ናይ ብርሃን ኣደ ኢኪ’ሞ
Added by Admin
ናይ ብርሃን ኣደ ኢኺ’ሞ ናይ ብርሃን ኣደ
ለምንልና ድንግል ለምንልና
ብጸጋን ብኽብርን ዝተመላእኺ
ካብ ኹለን ኣንስቲ ዝተሓረኺ
ንቃሉ መሕደሪ ዙፋን ዝኾንኺ
ብደመና መንበር ዝተፈጸምኺ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ናይ ጨና መንበሪ ዝተቐደስኺ
መኣዛኺ ጥዑም ጨና ዘለኺ
ክብርኺ ብዙሕ’ዩ ቅድስቲ ኣዴና
ስምኺ ኣንዳዘከርና ንጸናናዕ ኢና
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ብሓሳብ ብግብሪ ፍጽምቲ ዝኾንኺ
ክንደይኸ ብሩህ’ዩ ድንግል ልብኺ
ንዓኺ ዝመስል የለን’ሞ
ይሰምዕ ምልጃኺ ናትኺ ልማኖ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ናይ ብርሃን መውጽኢት ምብራቕ ዝኾንኺ
ንሰብ ዝለወጠ ሓያል ወድኺ
ምስጋናኺ ብዙሕ’ዩ ንዘለኣለም
ማህሌት ኢኺ’ሞ ኣብ ኣርያም
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
መላእኽቲ ንፍጥረትኺ የድንቁ
ጎይታ ብምውላድኺ ይምኽሑ
ሰማይን ምድርን ዘይወሰንዎ
ብኣኺ ተወስኑ ሓይሊ ዘለዎ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ናይ ጨና መንበሪ ዝተቐደስኺ
መኣዛኺ ጥዑም ጨና ዘለኺ
ክብርኺ ብዙሕ’ዩ ቅድስቲ ኣዴና
ንዓኺ እንዳዘከርና ንጸናናዕ ኢና
- - - - - - ኣዝ - - - -
