መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Nalem Nkhedihin | ንዓለም ንኸድሕን

Added by Admin

ንዓለም ንኸድሕን እቲ ዝተሰቅለ
ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚኣብሔር እዩ
ጎይታ ተሰቂሉ ምስረኣዩ መላእክቲ
ከክንዲ ዝማሬ ነቢዖም ንብዓት
ሚካኤል ኣርመመ ገብርኤል ትም በለ
ኣምላኩ ዕርቃኑ ስለዝተሰቅለ
(ኣዝ)
በጃ ፈታዊኡ ዝመውት ብዙሑ እዩ
ንጸላኢኡ ዝመውት ሰብ ግን ዘይ ሕሰብ እዩ
ጸላእቱ ከለና ዝሞተ ስሌና
ክርስቶስ ፍሉይ’ዩ እቲ መድሓኒና
(ኣዝ)
ዕውር እንተብርሀ ምውታት እንተበራበረ
ከክንዲ ምስጋና ከምሓጥእ ተቆጽረ
ሰማያዊ ዳኛ ንኽፍረደሉ
ብኽሲ ቀረበ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ(ኣዝ)
ኣብ ጸሎተ ሓሙስ ድራር ዝኾነልና
ዓርቢ ኣብ መስቀል ዝተሰቅለልና
ፍቅሪ ኣገዲድዎ በጃ ዝኾነልና
መድሃኒት እዩ እቲ ህያው ጓሳና
(ኣዝ)