መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Naki Zhaze | ንኣኪ ዝሓዘ

Added by Admin

ንኣኪ ዝሓዘ እንታይ ዝጎድሎ
ብምልጃኪ ኩሉ ቤቱ ይመልኣሉ
ዘመድ ንዘይብሉ ቆፍኡ ጥራዩ
ብረድኤት ናትኪ ኩሉ ይመልኣሉ

በረከትኪ ብዙሕ ናይ ድንግል ገንዘብ
ኣደ ናይ ምስኪናት ናይ ጥሙያት ቀለብ
ንኩሉ ዝምግብ ጸጋኪ ዘይጎደል
ስምኪ ጥዑም መግቢ ንጡሙይ ዘዐንግል(2)
………….ኣዝ……..
ኣደይ ምስትመጺ ናብዚ ምስኪን ገዛይ
ከም ኣደ ናይ መጥቀት በዚሑ ሓጎሰይ
ናይ ሓዲስ ኪዳን ቁርባን መቀመጢ ጣውላ
ጽድቂ ናይ ሂወትኪ ይጥዕም መዓዛ (2)
……….ኣዝ………..
ተጠራጢሩ ልበይ ኪዳንኪ ከይክህድ
ድንግል ሓግዝኒ በረኸት ክረክብ
ኩሉ እናመላዕኪ መግቢ ትምግቢ
ፈጺሙ ዘይውዳእ ጸጋ ሃብቲ ለኪ (2)
……..ኣዝ……..
መዕረፊ ናይ ኣምላክ በረኻ ናይ ኾሬብ
ንጽድቂ ተፍስሲ ምንጪ ናይ ሕይወት
ነበልባል ተዋሕዶ ሙሴ ዝረኣየኪ
ኣሳእኑ ኣውጺኡ ሰጊዱ ኣብ ቅድሜኪ (2)
……….ኣዝ……