መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Nabakha Ksegid | ናባኻ ክሰግድ

Added by Admin

ናባኻ ክሰግድ ከለኹ ሕይወተይ
ንኣካ ይግዛእ ክሳዕ ዕለተ ሞተይ
ንስካ ኢካ መድሓኒተይ ናይ ዘልኣለም ቤተይ /2/
ጊዜዩ ንከይመስይ ንከይጽልምተኒ
ብጽድቂ ጎደና ንስካ ምርሓኒ
ንከይጋገ ኣርእየኒ ናብ ቤትካ ምርሓኒ /2/
ናይ ነብሲ ናይ ስጋይ ቤዛ ናይ ሂወተይ
ህድገት ግበረለይ እንተበዝሓ ጌጋይ
ንኣካ ኣሚነ ክነብር እየ ጎይታ ፈጣሪየይ/2/