መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Nab Mehderiu Atye | ናብ መሕደሪኡ ኣትየ

Added by Admin

ናብ መሕደሪኡ እትየ ክሰግድ ንእግዚኣብሄር
ምስጋና ከቕርብ ስለ ስሙ ክብሪ /2/
ጌሩለይ ኣዩ’ሞ ከመስግኖ እየ
ኣብ ቤተ መቕደሱ ክሰግደሉ እየ
ኣብ ቅድሚኡ ንምቛም ፈትየ ክነቅሕ’የ /2/
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ኣብ ግዜ መኸራይ ዝኾነኒ ዋልታ
ኣብ ቤቱ ኣትየ ብፍጹም ደስታ
ናይ ክንፈረይ ፍረ ክስውእ ብዕልልታ /2/
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ብዓስርተ ኣውታር ዘለዎ በገና
ኣብ ቅድሚ መላእኽቱ ንምቕራብ ምስጋና
ኣፍና ዝለመኖ ስለዝሰምዓና
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ኽንብርኸኸሉ’የ ንዕኡ ብምእዛዝ
መብጽዓይ ክፍጽም ክቕርበሉ ሞባእ
ናብ ኣደባባዩ ብምስጋና ንምጻእ /2/
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ክንሸብሽበሉ’የ ንድምጸይ ኣጉሊሐ
ኣብ ቤተ መቅደሱ ለይቲ ተፈሲሀ
ኸም’ቶም ኣቦታተይ የእዳወይ ዘርጊሐ /2/
- - - - - - - - ኣዝ - - -

እትግድፈነ