መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Motka Ikha’mo | ሞትካ ኢኻ’ሞ

Added by Admin

ሞይትካ ኢኻ’ሞ ስለይ ዋላ ሓደ በደል ከይገበርካ
ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ጎይታ ተኽሲስካ
ኢየሱስ ክብሪ ይግብኣኻ ስብሃት ለከ
የሕዝነኒ ኹሉሳዕ ክንገር ከሎ ብዘረባ
ዘሕለፍኻዮ ኩሉ ናይ መስቀል መኸራ
ኢየሱስ ናይ ህይወት እንጌራ ስብሃት ለከ
ስለዘይፈለጡ ንዓኻ ናይ ዓለም መድሃኒት ምኻንኻ
ጨኺኖም ጸፍዖም ነቲ ብርሃን ገጽኻ
ኢየሱስ መድሃኒና ኢኻ ስብሃት ለከ
ካብ ልዑል ቦታ ወሪድካ ፈጣሪ ፍጡረን ኣምላኽ
ብሰብ ተዋርድኻ ስለሰብ ዝሞትኻ
ኣብ መስቀል ኾንኻ ጸምኦ እንዳበልኻ ስብሃት ለከ
ገበርቲ ክፍእ ተንሲኦም ብቕንኣት መንፈስ
ብዙሕ ክጽዕሩ ደምኻ ንምፍሳስ
ሜትካሎም ኢኻ ንዐኦም ኽተሓጉስ ስብሃት ለከ