Misgun’yu Ztemesgene | ምስጉን’ዩ ዝተመስገነ
Added by Admin
ምስጉን’ዩ ጎይታ ዝተመስገነ
ባሪኩ ንዓይ ይቅረ ዝበለ
ይመስገን ይመስገነለይ ንቤተይ ኣምላክ መሊኡለይ
………..ኣዝ………….
ኢድካ ምሉእ’ዩ ይፈልጥ’የ ጎይታይ
ጎደሎይ መሊኡ ይብጻሕካ ምስጋናይ
ዝሰኣንክዎ ካባኻ ረኪበ
ኩሉ ነገር ንጽቡቅ’ዩ ኢለ (2)
………..ኣዝ……….
ሓዘነይ ኣሊኻ ሓጎስ ኣዕጢካኒ
ጥርሐይ ዝነበርኩ ኩሉ ተዋሂቡኒ
ወሃብ ሓዳግ እግዚኣብሔር ጥራይ ኢዩ
ብጽሒትና ማዕጾ ምኩሕኳሕ ኢዩ(2)
………..ኣዝ……………
ሂቡ ኣይውዳእን ለጋስ ክቡር ጎይታ
ኩሉ’ውን ጌሩለይ ብፍሉይ ክእለት
ድካታት ኮይና ኩሉ’ውን ሂቡና
ንኣምላኽና ይኹኖ ምስጋና(2)
