መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Misganay Namlak | ምስጋናይ ንኣምላክ

Added by Admin

ምስጋናይ ንኣምላክ የቅርበሉ
ኣብ መቅደሱ ብፍርህት ኣትየ ክሰግደሉ
ኤልሻዳይ ኩሉ እትክእል ከምትህበኒ ይኣምን ናይ ልበይ ጉዳይ

ቆጽሊ ስየ ሒዘ ከምቶም ህጻናት
ከመስግኖ ኢየ ሰጊደ ብፊት
ባዶ እኳ እንተኮንኩ ህውከት ብዚሑኒ
ንስሙ ክዝምር ጸጋ ክመልኣኒ
…..ኣዝ…...
ንዑ ዝበቅዕ ቃላት የብለይን
ቋንቋይስ መዝሙር’ዩ ንዑ ዘመስግን
ብዳዊት ልመና ኣብ ቅድሚ ታቦትካ
ክብርካ ክገልጽ ክጽውዕ ንስምካ
……ኣዝ……
ናይ ሕይወተይ ትርጉም ንስካ ኢካ ደስታይ
ንዓካ ከገልግል ግቡእ’ዩ ስርሐይ
ንዝኣምኑካ ምስክር ዝኾኑ
ጸገም ተለዊጡ ንበረከት ኮይኑ
…..ኣዝ……
ደጋፊየይ ኢካ ናይ ሕይወተይ ክብሪ
መዕረፊየይ ኢካ ናይ ቤተይ በሪ
ካብ እምባታት ጽዮን ኣብ ትገልጸሉ
ጻዕዳ ኣልብሰኒ ንክዝምረሉ
………ኣዝ………