Misgana’yu Tisirhey | ምስጋና’ዩ ትስርሐይ
Added by Admin
ምስጋና’ዩ ትስርሐይ
ኣብ ዘመነይ ኣብ ዕድመይ
ዝህቦ የብለይን ከምቲ ዝገበረለይ
………..ኣዝ………..
ትማል ትማል ትርጉም ነይርዎ ቲ ምንባረይ
ዝድሕነሉ መዓልቲ ኣኪሉ’ዩ ጎይታይ
ነታ ነፍሰይ ሽፊንዋ ኢዩ ብምሕረቱ
ስምካ ምጽዋዕ ናይ ዘውትር መግቢ ኮይኑኒ
ኣይጠምየንን ኣይጸምኣንን ኣብ ዘመነይ
ኮይኑኒ’ዩ መግቢ ስጋ መግቢ ነፍሰይ
ተበቲኹ ናይ ሓዊ ገመድ ሰንሰለት
ኣይርስዖን ንሱ ዝገበረለይ ውዕለት
…………ኣዝ……….
መን የፍቅር ክሳብ ናይ ሞት ዋጋ ከፊሉ
መን’ዩ ዘድሕን ንበዓል ስልጣኑ ስዒሩ
ኣማኑኤል ብፍቕሩ ጸዳል ምድሪ ኮይኑ
ሰብ ገይሩኒ ነቲ ዘይከውን ክውን ጌሩ
……….ኣዝ………..
ከመይ ጌሩ ፍቕሩ ክገልጽ ከመይ ኢለ
ብዛባ ኢዱ ብንብዓት ጭቅዩ’ቲ ግራተይ
ብናቱ ቁስሊ ወጺኡ ነብሰይ ካብ መከራ
ብዝምሬ ስሙ ምጽዋዕ ናተይ ስራሕ
