Misgana Yimlai Ab Gubae | ምስጋና ይምላእ ኣብ ጉባኤ
Added by Admin
ምስጋና ይምላእ ኣብ ጉባኤ
ስሙ ድንቂ ኢዩ ኣዶናይ
በገና ሓዙ ቃንዩሉ ንመድህን ዓለም ኣልል በሉ
መን ኢዩ ከም ኣምላክ በዓል ዝና
ዝፋኑ ዘንብር ኣብ ደመና
ኣብ ማእከል እሳት ዝመላለስ
ንድምጺ ማዕበል ዘረጋግእ
……..ኣዝ……..
ርእሰ ጠቢባን ጥበበኛ
ፍትሒ ዘውጽእ ቅኑዕ ዳኛ
በዓል ጸጋ ‘ዩ ዝተፈርሐ
ምስጢሩ ማዕሙቕ ዝሰፍሐ
……..ኣዝ………
ሓያል ቅልጽሙ ተደጊፍና
ስሙ ጸዊዕና ጸኒዕና ኢና
መን’ዩ ዝቃወም ዘፍርሓና
ትብዓት ዘስንቕ ኣቦ ኣለና
……..ኣዝ……..
ሃያላም ፈርሁ ኣንዳልሂጾም
ንፋሳት ዘለሉ ካብ ሞት ወጺኦም
መጽኒዕና’ዩ ትምክህትና
ዝፋኑ ይብጻሕ ምስጋናና
……..ኣዝ…….
