መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Misgana Yekirib | ምስጋና የቅርብ

Added by Admin

ምስጋና የቕርብ ንሰራዊት ጎይታ /2/
ሓሊዩና’ዮ’ሞ ብንግሆን ምሽትን /2/
ሰማይ ንዝሰርሐ - - - - - ምስጋና ነቕርብ
ምድሪ ንዝሃነጸ - - - - - ምስጋና ነቕርብ
ማይ’ውን ንዘፍስስ - - - - - ምስጋና ነቕርብ
ከከምቲ ስርዓት - - - - - ምስጋና ነቕርብ
ናይ ያዕቆብ ኣምላኽ ኹሉ ንዝገብር ሓሊዩና’ሞ ተመስገን ክንብል
- - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ጭንቅ እንኽብለኒ - - - - - - ምስጋና ነቕርብ
ብስቓይ ብሕማም - - - - - - ምስጋና ነቕርብ
መድሕነይ መጽኣኒ - - - - - ምስጋና ነቕርብ
ንበይነይ ክደኽም - - - - - - ምስጋና ነቕርብ
ኦ ኣቦይ መሓረኒ ኢለ ምስ ጸዋዕኹ ብኢዱ
ንዝዳህስሰኒ እዝምር ኣለኹ
- - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ናይ ልመናይ ድምጺ - - - -ምስጋና ነቕርብ
ንሱ ሰሚዑ’ዩ እሞ - - - - - ምስጋና ነቕርብ
እዝኑ እውን ናባይ - - - - - ምስጋና ነቕርብ
ኣዘንቢልዎ ኣሎ - - - - - ምስጋና ነቕርብ
ኣብ ክብሪ መንበሩ ኣብ ሰማይ ንዘሎ እልል /2/
ኣነስ ከመስግኖ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - -