Misgana Nmaryam | ምስጋና ንማርያም
Added by Admin
ምስጋና ንማርያም ካብ ሞት ኣድሒና ብህይወት ዘንበረትና
ናይ ቅዱሳን ህይወት ኣደ መድሓኒና /2/
ንዓኺ መሪጹ ኸይተፈጠረ ዓለም
ንዓና ከድሕን ህያው መድሃኔ ኣለም
ብኣኺ ኢና’ሞ ህይወት ዝረከብና
ምስጋና ይብጻሕኺ ማርያም ኣዴና
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ካብ ሰማይ ወሪዱ መድሃኔ ኣለም
ብሓቂ ይመስገን ይኽበር ንዘለኣለም
ንዘምር ኩልና ንጎይታ ፈጣሪ
ስለዝሃበና ናይ ዘለኣለም ክብሪ
- - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ሓጢያትና ብዝሑ ሸከሙ ከቢዱና
ኣቃልልና’ዶ ርህርህቲ ኣዴና
ተግባርና ክፍኡ መሲልና ንዓለም
ኣድሕንና ድንግል ኻብ እሳት ገሃነም
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ጸጋ ዝመልኣኺ ማርያም ቅድስቲ
ካብ ኩለን ኣንስቲ ንስኺ ሕርይቲ
ንዓና ደቕኺ ሓጢያት ዝበዝሓና
ካብ ክቡር ወድኺ ምሕረት ለምንልና
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
መሰረት ህይወትና ምሕረት ናይ ነፍስና
ኣምላኽ ብምውላድኺ ካብ ጸልማት ወጺና
ካብ መኸራ ኣውጺኡ ክህበና ሰላም
ተወሊዱ ጎይታ ካብ ድንግል ማርያም
- - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
