Misgana Kekirib Nislase | ምስጋና ከቅርብ ንስላሴ
Added by Admin
ምስጋና ተቅርብ ንስላሴ(2)
ብኢዱ በረኸት ተማሪካ ነብሰይ
ምስጋና ተቅርብ ንስላሴ
ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር
ዘምጻእካኒ እግዚኣቢሄር
ካብ ፍጥረታት ኣክቢርካኒ
ብኣምሳልካ ፈጢርካኒ /2/
(ኣዝ)
ንፈጣሪ ንስላሴ
ከይሰልቸወት ትዝምር ነብሰይ
ስሙ ጸዊዐ ረውየ እየ /2/
ከም ጽቡቅ ገረብ ለምሊመ እየ
(ኣዝ)
ንዝወጸ ንዝወረደ
ኩሉ ነገርን ንዝገብሮ
ጀሚሩ’ውን ንዝሰርሖ /2/
ንእግዚኣቢሄር (ንስላሴ) ጸዊዐ’የ
(ኣዝ)
ስሉስ ቅዱስ ይከብሩ እዮም
በዓላት ሞያ ይገብሩ እዮም
ብስላሴ ከቢረ እየ /2/
ውልድነት’ውን ረኪበ እየ
(ኣዝ)
