Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Misgana Jemiru (nay Yared) | ምስጋና ጀሚሩ (ናይ ያሬድ)

Added by Admin

ምስጋና ጀሚሩ ኢሉ ሃሌሉያ
ማህሌታይ ያሬድ በቲ ጥዑም ዜማ
ምስጋና ጀምሩ ኢሉ ሃሌሉያ
ይብል /2/ እህ ይብል /2/ ሃሌሉያ
ጥዑመ ልሳነ ያሬድ /4/ ዘተዋህዶ ሃይማኖት
ንብሉይ ኻብ ሓዲስ ንሓዲስ ካብ ብሉይ
ኣወሃሂድዎ ያሬድ ማህሌታይ
ምስጢር ተገሊጽሉ ንያሬድ ብራእይ
- - - - - - - ኣዝ - - - - -
ብመንፈስ ቅዱስ ብናይ ሚስጢር ዜማ
ምስግና ጀሚሩ ካብ ጽዮን ከተማ
ብሰለስተ ዓይነት በቲ ጥዑም ዜማ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ብወርቂ ጸናጽል ብብሩር ኽበሮ
ዜምኡ ክስማዕ ኣብ እዝኒ ክስቑሮ
ናይ ያሬድ ዝማሬ የሓድስ ኣእምሮ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ተዋህዶ ኣቕርቢ ንኣምላኽ ምስጋና
ብናይ እዝራ መሰንቆ ብዳዊት በገና
ምሂሩኺ ያሬድ ብዜማ ምስጋና
- - - - - - - ኣዝ - - - - - -