መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Nehase 11, 2018 — Monday, August 17, 2026 ✦ Fast: Tsome Filseta (Fast of the Virgin Mary) — A 15-day fast leading up to the feast of the Assumption of the Virgin Mary.
← All mezmur

Miretsu Nimen Kem Tegelgilu (ምረጹ ንመን ከም ተገልግሉ)

Added by Mezmur Tewahdo Admin

ምረጹ ንመን ከምተገልግሉ 

ምረጹ ንመን ከምተገልግሉ
ወስኑ ምስ መን ከምትነብሩ
ኣነን ቤተይን ንእግዝኣብሔር ከነገልግል
መሪጸ ኣለኹ ኣብ ቤቲኤል ክነብር (2)                                             

ጨካን ንጉስ ፈርዖን ልቡ ምስ ኣትረረ
ኣብ ልዕሌና ውን ግፍዒ ምስ መረረ
ሓይልና ደኺሙ ከለና ኣብ ባርነት
ታሪኽና ለዊጡ ሂቡና ናጽነት                                           

ብካህናተ ሰማይ ወትሩ ንዝምስገን
ሰባት ካብ መከራ ካብ ሞት ንዝድሕን
ንገዛእ ነብስና ነገልግል ኣብ ቤቱ
ጸግኡ ክበና በቲ ረዲኤቱ ጎይታ ብምሕረቱ    

 ኣብ ምድረበዳ ገለውን ዘይብሉ
ንበልዖ ሲኢና ጭንቂ ከንጸላሉ
ግና ኣይሓደገናን ምስ ኩሉ ሽግርና
ህይወት ዘሪኢልና እንዳ መገበ መና                                

ከመይ ኢልካ ይርሳዕ ናይ ኣምላኽ ግብሪ
ምሕረቱ ለውሃቱን እቲ ናቱ ፍቅሪ
ንውዕለታት ጎይታ ዝደረግ ውሬታ
እኳ እንተዘይክኣልና ነቅርብ ምስጋና ንዝምር ብዓውታ   

ክብደት ናይቲ ሽግር ሕጂ እንክዝክር
ብዓቅሚ ወዲ ሰብ ፍጹም ዘይጽወር
ኩሉ ሓሊፉ ኣምላኽና ይረድኣና
ከንኣን ኣእተወና ርስቲ ኣቦታትና
ድንቂ ኢዩ መስደመም ስራሕ እግዝኣብሔር
ንትብዓት ኣስኒቁ ዘራግፍ ከቢድ ጾር