መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Mirafe Kdusan Tikilye Abune | ምዕራፈ ቅዱሳን ትክልየ ኣቡነ

Added by Admin

ምእራፈ ቁዱሳን ተልየ ኣቦና
ንዘለኣለም ንልምነካ ኢና
ብሰናይ ጎደና ንስካ ምርሓና፣
ፍትወት ናይ ዓለም ንከየስሕተና(2)
ንጎቦ ዘፍረሰ ተክለ ሃይማኖት
ሒዙ ሃይማኖት ተክለ ሃይማኖት
ተኣምር ገበረ ተክለ ሃይማኖት
ጸኒዐ ብእምነት ተክለ ሃይማኖት
ኣጋንንቲ ጣኦታት ተክለ ሃይማኖት
ሰገዱ ንክብሩ ተክለ ሃይማኖት
ንወንጌል ብርሃን ተክለ ሃይማኖት
ንዓለም ኣብርሀ ተክለ ሃይማኖት
ሚካኤል ቅድሚኡ ተክለሃይማኖት
ደው ኢሉ ድሕሪኡ ተክለ ሃይማኖት
ንሰይጣን ኣሰሮ ተክለ ሃይማኖት
ንሰማያዊ ክህነት ተክለ ሃይማኖት
ከም ኩሩቤል መልእክት ተክለ ሃይማኖት
ብክንፊ ብረረ ተክለ ሃይማኖት
ናይ እግዚኣቢሄር ክብሪ ተክለ ሃይማኖት
እናመስከረ ተክለ ሃይማኖት
ንጽውዕ ንስምካ ተክለሃይማኖት
ንክባርከልና ተክለ ሃይማኖት
ብያሬዳዊ ዜማተክለ ሃይማኖት
ከምቶም ኣቦታትና ተክለ ሃይማኖት
በረከትካ ሒዝካ ተክለ ሃይማኖት
ተረከብ ኣብ ማእከልና ተክለ ሃይማኖት
ኣቡነ ተክለሃይማኖት ተክለ ሃይማኖት
ዕርኪ ኩነና ተክለ ሃይማኖት

ተክለ ሃይማኖት ኣበው