መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Mirafe Kdusan Giyorgis | ምዕራፈ ቅዱሳን ጊዮርጊስ

Added by Admin

ምዕራፈ ቅዱሳን ሰማዕት ጊዮርጊስ
ክልምንኻ ኢየ ክሳብ ዕለተ ሞተይ
ብመንገደይ ኩሉ ንስኻ ምርሓኒ
ናይ’ዛ ዓለም ነባሪ ከየታልለኒ
ሰማዕት ክብለኻ - - - ቅ.ጊዮርጊስ ሓያል ተቓላሳይ ቅ/ጊ
ካብ ሞት ዘይትሃድም - ቅ.ጊዮርጊስ ዘይትፈርሕ ስቓይ ቅ/ጊ
ኣብ ቅድሚ ኸሓድቲ - ቅ.ጊዮርጊስ ሓቂ እትምስኽር ቅ/ጊ
ኣብ ቅድሚ ጣኦታት - ቅ.ጊዮርጊስ ሓቂ እትምስኽር ቅ/ጊ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - -
መምህር’ዶ ክብለኻ ቅ/ጊዮርጊስ ሰባኺ ወንጌል ቅ/ጊዮርጊስ
ሓድሽ ሃዋርያ ቅ/ጊዮርጊስ ብጽንዓት ትጋደል ቅ/ጊዮርጊስ
ጽንዓት ናይ እምነትኻ ቅ/ጊዮርጊስ ብደም ዘመስኸርኻ ቅ/ጊ
ዝተኣሰርኻሉ ቅ/ጊዮርጊስ ዓንዲ ዘለምለምኻ ቅ/ጊዮርጊስ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ብመጋዝ ኽጭደድ ቅ/ጊዮርጊስ ስጋኻ ኽምተር ቅ/ጊዮርጊስ
ቁጥዓ ክብርትዕ ቅ/ጊዮርጊስ ካራ ኽቀያየር ቅ/ጊዮርጊስ
ንዓኻ ክወስድ ቅ/ጊዮርጊስ ሞት ዕድመ ኽዕደም ቅ/ጊዮጊስ
ብኽብሪ ኽትንስእ ቅ/ጊዮርጊስ መድሃኒ ዓለም ቅ/ጊዮርጊስ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ንሓይሊ ድራጎን ቅ/ጊዮርጊስ ፍጹም ዘይፈራሕኻ ቅ/ጊዮርጊስ
ንብራዊት’ውን ቅ/ጊዮርጊስ ካብ ሞት ዘናገፍኻ ቅ/ጊዮርጊስ
ንኣምልኾ ጣኦት ቅ/ጊዮርጊስ ብቃልኻ ዘጥፍእኻ ቅ/ጊዮርጊስ
ኽብሪ ናይ ፈጣሪ ቅ/ጊዮርጊስ ምስጋና ይብጻሕኻ ቅ/ጊዮርጊስ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - - - - -