መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Mikael Hoy Like Melaikit | ሚካኤል ሆይ ሊቀ መላእክት

Added by Admin

ሚካኤል ሆይ ሊቀ መላእኽቲ
ካብ ሰይጣን ዘድሓንኻ ንኣፎምያ ቅድስቲ
መራሒ ዝነበርኻ ንእስራኤል ዘሰጋ
ካብ ግብጺ ጀሚርኻ ክንኣን ዘብጻሕኻ
ገብርኤል ሆይ ሊቀ መላእኽቲ
ንሰለስቱ ደቒቕ ካብ ሓዊ ዘውጻኻ
ኣብ ሓዊ ኣቲኻ ራብዓይ ተባሂልኻ
ብመስቀል ባሪኽኻ ናብ ማይ ዝቐየርኻ
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ኡራኤል ሆይ ሊቀ መላእኽቲ
ንእዝራ ዘስተኻ ጽዋእ ናይ ሕይወት
ኣይ ንሰኻ እንድኻ መልኣኽ ናይ ምሕረት
ብናይ ክርስቶስ ደም ዓለም ዝሓጸብኻ
- - - - - ኣዝ - - - - - -