መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Mesituni Fikirka | መሲጡኒ ፍቅርካ

Added by Admin

መሲጡኒ ፍቅርካ ይገርመኒ’ሎ ለውሃትካ(2)
ዝገበርካለይ ኩሉ ውዕለትካ(2)
በቲ ጸቢብ ሕይወት ጎይታ ትመርሃኒ
ውዲቀ ከይተርፍ ጸጋኻ ትህበኒ
ክይጠፍእ ከይርሕቅ’ውን ትሕልወኒ
ኣነስ መሲጡኒ ምሕረት ንዓይ ዘርኣካኒ(2)
ኣብ ሓጥያት ከለኩ ብምሕረት ጸዊዕካኒ
ከም ብዝሒ በደለይ ውን ከይረኣካኒ
መድሃኒት ክረክብ በጃ ዝኮንካኒ
መስቀል ተሰቂልካ ፍቅርካ ንዓይ ኣርኢካኒ(2)
ካብ ጽሩይ ከውሒ ማይ ከይጸምእ ኣስቲካኒ
ዘፍርሕ በረካ ክደፍር ኣጽኒዕካኒ
ክወርድ ክድይብ ጸጋኻ ሂብካኒ
ከይጠፍእ’ውን ጎይታ ሓሊካ ኣውጺእካኒ (2)
ነቲ ድኩም ልበይ ምስትውዓል መሊእካዮ
ንኣእዛነይ ከፊትካ ውዕለትካ ክሰምዖ
ልሳነይ ክዛረብ ከመስግን ንዓካ
እግዚኣብሔር ውዕለትካ ድንቂ’ዩ ጎይታ(2)