Mesfer Yeblun | መስፈር የብሉን
Added by Admin
መስፈሪ የብሉን እቲ ንብዓተይ
ናይ ክብሪ ዜማ መሊኡ ኣፈይ
መዝሙር መሃሮ ንልቦናይ
ከመስግነካ ከናፍረይ
ቀራንዮ ኮይንካ ደምካ ዘፍሰስካለይ
ካብ ቃዴስ ጀሚርካ ዝተጓዓዝካዮ
ንየማን ጸጋም ከርተት ዝበልካዮ
ምእንታይ እንዲዩ ኣነ ኣበይ ኢለዮ
ታሪከይ ቀያሪ ብላይ ክዳውንተይ
ኣልቢስካያ ጎይታ ሃሪ ንሕይወተይ
ኣብ ማእከል ማዕበላት መርከብ ዝኾንካያ
ካብ ኣፍ ኣናብስቲ ነብሰይ ዘድሓንካያ
ንባሕሪ ከፊልካ ካብ ሞት ዘድሓንካያ
ትዝምረልካ ኣላ ኢላ ሃሌሉያ
…………ኣዝ…….
ብሓላፊ ወርቂ ኣይኮነን ብብሩር
ደምካ ኢዩ ኔሩ ዝተከፍለ ዲናር
ሂወተይ ክትዕድግ ሕይወት ዝከፈልካ
እሱር በጊዕ ይስሃቅ ዓቢ’ዩ ውዕለትካ
……..ኣዝ…….
ድንኳን ሓጥያት ፊንሃስ ነብሰይ ጸሊኣቶ
ተምሳል ኣርያማዊ ቤትካ ናፊቃቶ
ልዕልና ኣይኮነን ንልበይ ድሌቱ
ከም ማይ ምድረበዳ ፍቅርኻ ጽምኣቱ
……ኣዝ…….
