መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Mesenko Begena | መሰንቆ በገና

Added by Admin

መስንቆ በገና ሓዙ
ዕልልታ ውዳሴ ኣዕዝዙ
ሰማይን ምድርን የቅልቡ
ንማርያም ምስጋና ኣቅርቡ

ዕጹብ ድንቂ ናይ ኣስፍስጋ ኣእላፍ ጸጋ
ዓስቢ ዘመርቲ ናይ ዘየምቲ ዋጋ
ዳዊት ጸወዐ በገና ኣልዒሉ
ንክብሩ ኣሚኑሉ

ዜማ ዝዛሪ ካብ ጥዑም ልሳኖም
ርስቲ ናይ ሰማይ ኣበው ዘጽንሁሎም
ክንሰግድ ኢና ሰላም ለኪ ኢልና
ኣብ መቅደስ ኣቲና
ኣብ ኤፍራታ ዓቢና ኣብ ድንኳና
ምስኣ ክንነብር ኣንታይጎዲሉና
ተዘመርናላ ኣይንረውይን ኮታ
እንተቅረብና ዕልልታ

ካብ ባዕዲ ኣይኮነን ኣብ ርስትና ኣሎና
ቲ ዝተሰቅለ መሰንቆ ኣውርዱልና
ኣብ ቤት ግሽነት ንዓና ኣቀዲማ
መልኣትልና ዜማ