Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Merut Ambibu Frikhum | መርዑት ዓምቢቡ ፍሪኹም

Added by Admin

መርዑት ዓምቢቡ ፍሬኹም /2/
ብፍቕሪ ነዚ ዕለት በጺሕኩም
ቅድሚ ኣምላኽ ብፍጹም ኸቢርኹም /2/
ኣምላኽ በምሕረቱ ብሓቂ ኣስሚሩሎም
ብቅዱስ ቁርባን ሎሚ ተዋሂዶም /2/
ብስርዓት ተኸሊል ብመድሃኔ ኣለም
ብስጋ ወደሙ ሓዳሮም መሰሪቶም /2/
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ብቤተክርስትያን ኣብ ቅድሚ ኣምላኹም
በዚ ቅዱስ ዕለት ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም /2/
ጽንዓት ዝሃቦም ወንጌል ተነቢቡ
ብኻህናት መስቀል በረኸት ተዋሂቡ /2/
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ብወንጌል ትእዛዝ ብሃዋርያት ኩሉ
ኣብ ቅድሚ እመ ብርሃን ጸንዲቑ ሓዳሮም /2/