Merkebey Itetsilleni | መርከበይ እተጽልለኒ
Added by Admin
መርከበይ እተጽልለኒ ማዕበል እተስግረኒ
ጸጥታ ሰላም ሂብካኒ ካብ ሕጂ መን የፍርሃኒ
ክናወጽ እቲ ዓቢይ ቀላይ
ከንሳፍፍ ቀሪቡ ሞተይ
መርከብ’ዩ ሓያል ኣምላክና
መድሓኒ መሳገሪና(2)
……ኣዝ……
ኣብሲና ሕጊ ዝሰርዕ
ብጽድቂ ሕዝቢ ዝመርሃ
ናይ ሰላም ናይ ምሕረት
ናይ ነብሰይ መዕረፊ ቦታ (2)
……..ኣዝ……
ርግቢት ትስብክ ኣላ
ጥፍኣትና ደው ኢሉ ኢላ
ካብ ጢማን መጺአ ናባና
በረከት ሰላም ኮይኑልና (2)
…….ኣዝ………
ናይ ነብሰይ ገዛ
ንስካ ኮይንካያ ቤዛ
ብማእከል ሞት እንተከድኩ
ብሓያል ኢድካ ደሓንኩ
……..ኣዝ………
