መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Men Alona Goytaye | መን ኣሎና ጎይታየ

Added by Admin

መን ኣሎና ጎይታየ ብዘይ ብኣኻ
ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብዚ ኣብ ምድሪ
መን ኣሎና ብዘይ ብኣካ

ሎሚ ፈትዩ ጽባሕ ዝጸልአ
ሎሚ ሂቡ ጽባሕ ዝከልአ
ናይ ሰብ ሂወት መርገጺ የብሉን
ንስካ ግን ኣይትጥርጥርን
……….ኣዝ……..
ተቀይሩ መልክዕ ሂወትና
ዕንቅፋት እዩ እቲ መንገድና
ጸላኢ ውን ክሳድደና
ኤልሻዳይ ግን ኣናጊፍካና
………ኣዝ………
ናብራ ዓለም ኣሰኒፍና
እንተ ኣእወና እንተገዓርና
ናይ ልብና ንክሰምረልና
ኣጸቢቁ መወዳእታና
………ኣዝ……..
ከይተለመንካ ትህብ ጎይታይ ኢኻ
ኣይተሕፍርን ንወገናትካ
መርከብ ናይ ኖህ ዓሳ መሊአ
ንምስሓቡ ፍጹም በርተዐ
……..ኣዝ……..