መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Mekwanintu Betu Kfetu | መኳንንቱ ቤቱ ክፈቱ

Added by Admin

መኳንንቱ ቤቱ ክፈቱ
ናይ ኣምላክና’ዩ ሰዓቱ (2)
ናይ ክብሪ ንጉስ ይእቶ ናብ ቤቱ
ኣብ ምድሪ ሰማይ ጽኑዕ መንግሰቱ(2)

ናርዶስ ይነስነስ ይከፈት ጭንኡ
ኣምልኮ ቅኔ ውዳሲ ኣውጺኡ
መንጸፍ ይዘርጋሕ መጊናጸፊኡ
ሓደ’ኳ የለን ዝቀውም ቅድሚኡ
……..ኣዝ…….
ኣብ ርእሱ ጠሊ ኣብቲ ኢዱ ዘይቲ
ካብ ኣፍ ይፈስስ ሕይወት ዝህብ ሃብቲ
ከይትጠዓሱ ምስተመልሰ ንሱ
ሎሚ ክፈቱ መኳንንቲ ቤቱ
……ኣዝ……..
ውረዱ ይብል ኣብቲ ልዕሊ ገረብ
ከም ናይ ዘኪዎስ ገዛና ክረክብ
ምድሓን ክከውን ሎሚ ንገዛና
ልብና ይከፍት ይእተው ውን ንጉስና
…….ኣዝ………
ኣፍደገ ኮይኑ ይኩሕኩሕ ጎይታና
ድራር ክበልዕ ኣትዩ ውሽጢ ቤትና
ማዕጾ ልብና ሎሚ’ውን ይከፈት
መሊኡ ይፈስስ ጸጋኻ ምስ በረኸት
…………ኣዝ…….