መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Meharena Abona Meharena | መሓረና ኣቦና መሓረና

Added by Admin

መሓረና ኣቦና መሓረና /2/
መሓረና እግዚኣብሔር
ካብ’ዚ ዘመን መቅሰፍቲ ኣድህነና ሰወረና
እግዚኣብሔር ይብዛሕ ምሕረትካ
ህጻናት ክበኽዩ ኣደ ኣቦ ሲኢኖም
ተስፍኦም ጸልሚቱ የለን ዝእክቦም
ኣይትጨክን ኣምላክ ቁጠዕካ መልስ
ናይዚ ዘመን ሓዊ ብምሕረት ኣፍኩስ
ኣዝ
መንእሰይ ክረግፍ ዘመኑ ሓጺሩ
ወላዲ ክበኪ መዓንጥኡ ሓሪሩ
ህዘነልና ጎይታ ምሕረትካ ኣብዝሓልና
መድሃኒት ንስካ ቤዛ ናይ ህይወትና
ኣዝ
ኣይኮነን ሓማሚ ብጥዕንኡ እንተተግሀ
ብስጋዊ ሜላ ጥበበ እንተኣብዝሐ
ካብ ሰብ ወገን የለን ተስፋ’ውን ስኢነ
ብሞት ከይንጠፍእ ምሕረትካ ኣብዝሓልና
ኣዝ
ቃልካ ሃናጺ ኢዩ መድሃኒና ካብ ጥፍኣት
ሓደ ንሓደ ኮይና ከይበልና ከልበትበት
ካልእ ሜላ የለን ቃልካ’ዩ ፈውስና
ካብ’ዚ ዘመን ህማም ነጻ ወጽኣና
ኣዝ