Meharena Abona Meharena Igziabher | መሓረና ኣቦና መሓረና እግዚኣብሔር
Added by Admin
መሓረና ኣቦና መሓረና እግዚኣብሄር
ካብ’ዚ ዘመን መቕዘፍቲ ኣድሕነና
ስውርካ እግዚኣብሄር ይብዛሕ ምሕረትኻ
ህጻናት ኪበኽዩ ኣደ ኣቦ ሲእኖም
ተስፍኦም ጸልሚቱ የለን ዝእክቦም
ኣይትጨክን ኣምላኽ ቁጠዓኻ ምለሶ
ናይ’ዚ ዘመን ሓዊ ብምሕረትኻ ኣፍኩሶ
- - - - - ኣዝ - - - - - -
መንእሰይ ኽረግፍ ዘመኑ ሓጺሩ
ወላዲ ኪበኪ መዓንጥኡ ሓሪሩ
ሕዘነልና ጎይታ ምሕረትኻ ኣብዝሓልና
መድሃኒት ንስኻ ቤዛ ናይ ህይወትና
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ኣይኮነን ሓሚሙ ብጥዕንኡ እንተተግሀ
ብስጋዊ ጥበብ ሜላ እንተኣብዝሐ
ካብ ሰብ ወገን የለን ተስፋ’ውን ሲእንና
ብሞት ከይንጠፍእ ምሕረትካ ኣብዝሓልና
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ቃልካ ሓጹር’ዩ መድሓኒ ኻብ ጥፍኣት
ሓደ ንሓደ ኬንና ከይበልና ከልበትበት
ካልእ ሜላ የለን ቃልካ’ዩ ፈውሰና
ካብ’ዚ ዘመን ሕማም ነጻ መውጺእና
- - - - - ኣዝ - - - - - -
